ኣብ ጎንደር፣ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭት ኣስታት 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 October 2019

ኣብ ጎንደር፣ ከባቢ ጭልጋ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭት ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ንዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምውካስ ኣረጋጊጹ።

በቲ ኣብ መንጎ ዕቱቓትን ወትሃደራት ክልል ኣምሓራን ዝተኻየደ ግጭት፣ ሓያሎ ከምዝቖሰሉ ዝሓበሩ ‘ቶም ናይ ዓይኒ መሰካኽር፣ ሬሳን ቁሱላትን ወትሃደራት ናይቲ ክልል፣ ኣዘዞ ናብ ዝተባህለ መዓስከር ክውስደ ከምዝርኣዩ ጠቒሶም።

እቲ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ዕጡቃት ቅማንትን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ከምዝተኻየደ ዘመልከቱ ካልኦት ምንጭታት ብወገኖም፣ ኣብ ጎንደር፣ ከባቢ ኣዘዞ ከቢድ ውጥረት ሰፊኑ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ቅማንትን ብሄረ ኣምሓራን፣ ናይ መንነትን ዋንነት መሬትን ግጭታት ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ጸጸኒሑ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት እታ ሃገር ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ክኽውሎ ይጽዕር ከምዘሎ ዝገልጹ ዝተፈላለየ ወገናት እታ ሃገር፣ ኢትዮጵያ፣ ገና ካብዚ ሓደጋ’ዚ ከምዘይተናገፈት ኣተሓሳሲቦም።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0