መራሕቲ ኬንያን ሶማልን ኣብ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳያት ዘትዮም

Radio Erena: 02 October 2019

ፕረዚደንታት ኬንያን ሶማልን፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ተመያይጦም።

እቶም መራሕቲ፣ ጎኒ ጊኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መበል 74 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ንክልትኤን ሃገራት ኣተፋኒኑ ዝርከብ ጉዳያት ብዘተን ዲፕሎማሲን ክፍታሕ ኣብ ዝብል ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ርክብ፣ ብእዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረትን ፕረዚደንት ግብጺን ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝተማእከለ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ’ውን ተረኺቡ ኔሩ።

ብሰፊሕ ማያዊ ክፋል ኣብ ምስህሓብ ዝርከባ ኬንያን ሶማልን፣ ምትፍናነን እናበኣሰ፣ ዶባት ክሳብ ምዕጻው፣ ቀጥታዊ በረራታት ክሳብ ምእጋድን ኣምባሳደራት ክሳብ ምስጓግን በጺሐን’የን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ መንግስቲ ኬንያ፣ ካብ ሶማል ተፈልየን ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር ንዘቖማ ዞባታት ሶማል፣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክሳብ ምሃብ ዝበጽሕ ስጉምቲ ከምዝወሰደዩ መንግስቲ ሶማል ዝወቅስ።

ንፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆን ናብ ናይ ዘተ መኣዲ ንምቅርራቦም፣ ኣቐዲሙ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈተናታት ከምዘይተዓወተ ይፍለጥ።

እቲ ጎኒ ጎኒ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ርክብ ክልትኤም መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነቲ እናበኣሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ከህድእ ትጽቢት ይግበረሉ።

ንክልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ዋንነት ማያዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ፣ ንምፍትሑ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ጉዳይ፣ ኣብ ኔዘርላንድስ ናብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከሰጋግሮ እንከሎ፣ መንግስቲ ኬንያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክሽምገል’ዩ ዝደሊ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0