ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፣ ናብ ኤርትራ በጺሑ

Radio Erena: 02 October 2019

ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ደሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዕዮን ኣህጉራዊ መሰል ሃይማኖታትን ዝተወከለ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ካብ 26 ክሳብ 28 መስከረም ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዘካየደ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ማሕበረ ሰብ ዲፕሎማሲን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምዝተዘራረበ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ዝርዝር ናይቲ ዝተዘተየሉ ነጥብታት ይኹን ዝተራኸቦም ኣካላት ኣየነጸረን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ከቢድ ምግሃስ መሰል እምነታት ካብ ዝፍጸመለን፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ንዝተወከሉ ኣመንቲ፣ ኣብ 17 ሓምለ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ፣ ብኣካል ረኺቡ ከምዘዘራረቦም ይዝከር።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ብሰንኪ እምነታ ኣብ ኤርትራ ተኣሲራ ዝነበረትን ክሳብ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሓን፣ ዘማሪት ሄለን ብርሃነ፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስቓይ ኣመንቲ ብዝምልከት ንፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጻትሉ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0