ኣብ ገምጋም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ 170 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ

ኣብ ገምጋም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ 170 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 27 August, 2014

Libya 170

170 ስደተኛታት ሒዛ ብ22 ነሓሰ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ብምሉኦም እቶም ስደተኛታት ከምዝሞቱ መንግስቲ ሊብያ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ፈለማ ናይ ናይ ኣስታት 30 ሬሳ ጥራይ ተረኺቡ እኳ እንተጸንሐ፣ ትማሊ ድማ ናይ 70 ሬሳታት ብባሕሪ ተገፊዑ ናብ ገማግም ባሕሪ ትሪፑሊ ድሕሪ ምምጽኡን፣ 10ታት ሬሳታት ዝጸንሑዋ ናይ ካብ ዕንጨት ዝተሰርሐት ንእሽቶ ጃልባ ድማ ምርካባን፣ ብምሉኦም እቶም ስደተኛታት ሞኡቶም’ዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ ከምዝበጽሐን ኣፈኛ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዓብደለጢፍ መሓመድ ኢብራሂም ገሊጹ።

 

እታ ጃልባ ብሃንደበት ብዘጋጠማ ናይ ምግምጣል ሓደጋ፣ እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ስደተኛታት ረድኤት ክሓቱ’ውን ዕድል ከምዘይረኸቡ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ዜግነት ናይዞም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጥሒሎም ዝሞቱ 170 ስደተኛታት ዛጊት ኣይተሓበረን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0