ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀ/ ሚኒስተር የመን ይገልጽ

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀ/ ሚኒስተር የመን ይገልጽ

Radio Erena: 24 October 2017

iran ship

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ናይ ኢራን መርከብ ከምዝተታሕዘት ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ዖባይድ ቢን ዳገሀር ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መልእኽቱ፣ እታ 19 ባሕረኛታት ዝነበሩዋ ናይ ኢራን መርከብ፣ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ እትርከብ ደሴት ሶኮትራ፣ ብየመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተታሕዘት’ዩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ እታ መርከብ፣ እንታይ ከምዝጸዓነትን ናበይ ተመርሕ ምንባራን ኣይሓበረን።

ኢራን ብዛዕባ ምትሓዝ መርከባ ኣመልኪቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር የመን ንዝተዋህበ ሓበሬታ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

 

ብሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ኢራን ነቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ኣመንቲ ሽዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ ንምድጋፍ ኣጽዋርን ካልእ ሎጂስቲካዊ ሓገዛት ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢላ ከምእትልእኽ’ዩ ዝወቅስ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0