ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ትበጽሕ

ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ትበጽሕ

Radio Erena: 24 October 2017

nikki haley

ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ተካይድ ከምዘላ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እታ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ናይ ኣፍሪቃ ዑደታ ብኢትዮጵያ ክትፍልም ምዃና ዘነጸረ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እትጸንሓሉ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክትዘራረብ’ያ።

ኣምባሳደር ኒኪ ሃለይ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝመደበሮም ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ክትዘራረብ ምዃና ተሓቢሩ።

ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ዑደታ፣ እታ ኣምባሳደር ናብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ከተምርሕ ምዃና’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ብደረጃ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ከካይድ፣ እዚ ናይ ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0