ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልብ ጥሒላ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልብ ጥሒላ

Radio Erena: 02 September, 2014

Boat Libya

ኣብ ገማግም ባሕሪ፣ ሊብያ ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሰንበት 31 ነሓሰ ከምዝጠሓለተ ገማግም ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ፣ 50 ኪሎሜተር ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምጉዓዛ፣ ከምዝጠሓለት ዝሓበረ ኣፈኛ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዓብደለጢፍ መሓመድ፣ ስብርባር ኣካላት ናይታ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐት ጅልባ ክርከብ እንከሎ፣ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ኣስታት 100 ስደተኛታት ግና ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣመልኪቱ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን 170 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፣ ብምሉኦም እቶም ስደተኛታት ከምዝሞቱ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ዜግነት ናይቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝጠሓሉ ይኹን ናይዛ ብሰንበት ዝጠሓለት ጃልባ ዛጊት ኣይተሓበረን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0