ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ብዛዕባ ናይል ንምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፣ ብዛዕባ ናይል ንምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 September, 2014

Ethio Egypt

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ብጉዳይ ናይል ዝተጎሃሃረ ዲፕሎማስያዊ ቁርቁስ ብማዕከናት ዜና ግብጺ ሓደ ካብ ዝዓበየ ዛዕባታቱ ኮይሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሳሚ ሹክሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ጀርመን፣ ፈረንሳን ኢጣልያን ዑደት ከካይድ ዝቀነየ ሚኒስተር ሹክሪ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ኤውሮጳ ዑደቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ትጽቢት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ግብጺ ይሕብራ።

ኣልኣሕራም ድማ እቲ ሚኒስተር ጽባሕ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣቱ ገሊጻ።

 

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ኣብ ወሓዚ ናይል ዝህልዎ ጽልዋ እተጽንዕ ካብ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ዝተዋጽእተ ኮሚተ ኣብ ውስጢ ሽዱሽተ ወርሒ መጽናዕታ ከተረከብ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ግብጺ፣ ንፕሪጀክታት ወሓዚ ናይል ንምክትታል፣ ኣብ ኡጋንዳ ቤት ጽሕፈት ወትሃደራዊ ልኡኽ ክትከፍት ምዃናእኳ እንተሓበረተ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስህሓብ ግና ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ጥራይ ከምዝፍታሕ’ያ ትእምን።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0