ኣብ “ኣህጉራዊ ዙር ቅድድም ብሽክለታ ሪዮ” መትከል ኢዮብ ጻዕዳ ማልያ ወኒኑ

ኣብ “ኣህጉራዊ ዙር ቅድድም ብሽክለታ ሪዮ” መትከል ኢዮብ ጻዕዳ ማልያ ወኒኑ

Radio Erena: 01 September, 2014

Metkel eyob

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መትከል ኢዮብ ካብ 26 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ብራዚል ክካየድ ኣብ ዝቐነየ “ኣህጉራዊ ዙር ቅድድም ብሽክለታ ሪዮ” ተሸላሚ ጻዕዳ ማልያ ኮይኑ።

መትከል ጻዕዳ ማልያ ክውንን ዝኸኣለ’ ንብሉጽ መንእሰይ ኣብ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር፡ ንመወዳድርቱ ብልዕሊ 18 ደቓይቕ ብምቕዳም እዩ።

ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ሪዮ 6 መድረኻት ዝነበሮን፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ድማ፡ ዝሸፈንን እዩ ነይሩ።

 

ስጳኛዊ ኦስካር ሰቪላ ከኣ፡ ብሓፈሻ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዋቲ ቢጫ ማልያ ንምዃን በቒዑ። ኣብ’ዚ ውድድር ብጀካ መትከል ኢዮብ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተስፎም ዑቕባማርያምን ሜሮን ተሾመን’ውን ተሳቲፎም ነይሮም።

እዞም ሰለስተ ስፖርታውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ብሽክለታ ዓለም ወኪሎም እዮም ኣብ ውድድር ቀሪቦም።

ንሳቶም ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ክወስዱ ዕድል ተራሕይሎም’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ናብ ስዊዝ ዘእቱ ቪዛ ስለዝኸልከሎም ግን፡ ዝለዓለለ ስልጠና ካብ ምውሳድ ተሰናኺሎም ይርከቡ።

ኣብ’ቲ እዋን፡ ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ኣብ ካርቱም ንዝሃቦ ውሳነ ዳግመ ግምት ብምግባር ነቶም ተቐዳደምቲ መእተዊ ቪዛ ንኽህቦም ዝጠልብ ኣቤቱታ (Petition)፡ ብግዱሳት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ማሕበረ ሰብ ቅድድም ብሽክለታ ብመንገዲ ኢንተርነት ተኣኪቡ ናብ’ቲ ኤምባሲ ከምዝተላእኸ ይዝከር።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0