ኣብ ጂዳ ዝተኸተመ ስምምዕ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን ክትግበር ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ጸዊዑ

Radio Erena: 23 May 2023

ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ብቀዳም 20 ግንቦት ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ጸዊዑ።

እቲ ስምምዕ፣ ካብ ትማሊ ሰኑይ 22 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ እኳ እንተተሓበረ፣ ኣብ ካርቱም ጸጸኒሑ ቆዅሲ ክስማዕ ከምዝሓደረ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጸን።

ዝርዝር ናይቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ንሸውዓተ መዓልታት ምቝራጽ ቶዅሲ ክትግበረን፣ ንረዲኤት ዘገልግል ውሑስ መንገድታት ክኽፈትን ዝብል እቲ ቀንዲ ምዃኑ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ሸምገልቲ ናይቲ ስምምዕ ዝኾና ኣመሪካ ስዑዲ ዓረብን፣ ትግባረ ምቑራጽ ቶዅሲን ውሑስ መንገድታት ረዲኤት ምኽፋቱን ንምክትታል መስርሕ ከምዘሎ’ዩ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ ነቲ መስርሕ እትከታተል፣ ሰሰለስተ ኣባላት ካብ ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ከምኡ ድማ ንኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ነፍሲወከፈን ዝወከሉ ሰሰለስተ ሰባት፣ ብጠቕላላ 12 ኣባላት ዝሓቖፈት ኮሚተ ቆይማ ኣላ።

ኣብቲ ስምምዕ ቀንዲ ካብ ዓንቀፍቲ ጉዳያት ምንባሩ ዝተጠቕሰ፣ ምእላይ ናይቲ ብጀነራል ሐሚቲ ዝምራሕ፣ ፈጣን ሓይሊ፣ ካብ መንበሪ ገዛውቲ ካርቱም፣ ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ወትሃድራዊ ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ክገልጹ እኳ እንተጸንሑ፣ ኣብ ባይታ ብናጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ሓቕታት የለን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0