ወግዓዊ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 24 May 2023

ወግዓዊ ጽምብል መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ሎሚ ረቡዕ 24 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንመበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ክጽንብልዎ ምጅማሮም ይፍለጥ።

እቲ ጽምብል፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ክቕጽል ምዃኑ፣ በብሃገሩ ዝዝርጋሕ ዘሎ መጸዋዕታታ የመልክት።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ከም ናይ ኩሉ ግዜ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደምበታት ተኸፋፊሎም’ዮም፣ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽንት ኤርትራ ዝዝክርዋ ዘለዉ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0