ኣብ ጀርመን ዝርከብ ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዓስከር፣ ልዕሊ 270 ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም

Radio Erena: 26 April 2020

ኣብ ጀርመን ባደን ቭርተምበርግ ዝርከብ ስደተኛታት ዝነብሩሉ መዓስከር፣ ልዕሊ ፍርቆም ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ፣ ካብቲ መዓስከር ልሒኹ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ውልቀሰባት ካብቲ መዓስከር ንኢዩ ኦብዘርቨር ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ካብቶም ከባቢ 600 ዝኾኑ ስደተኛታት ልዕሊ ፍርቆም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክነሶም፣ መንግስቲ ጀርመን ካብቲ መዓስከር ከምዘይንቀሳቐሱ ገይሩ ብፖሊስ ከምዝሕለዉ ምግባሩ ከሲሶም።

ኣብቲ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎ መዓስከር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሸውዓተ ሕሙማት እዮም ኔሮም። እንተኾነ ምስ ኩነታት መነባብሮ’ቲ መዓስከር እቲ ለበዳ ብቀሊሉ ከስፋሕፍሕ ብምኽኣሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቶም ተለኺፎም ዘለዉ ግቡእ ክንክን ናብ ዝረኽቡሉ ቦታ ክውሰዱ፣ እቶም ዘይሓመሙ ከኣ ድሕነቶም ዝረጋገጸሉ ኩነታት ክጣጥሓሎም ብተጣበቕቲ መሰላት ብተደጋጋሚ ክሕተት ጸኒሑ’ዩ። እንተኾነ ሰበስልጣን’ቲ ዞባ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኩሎም ዳግማይ መርመራ ክሳብ ዝግበረሎም ካብቲ ዘለዉዎ መዓስከር ክንቀሳቐሱ ከምዘይክእሉ’ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።

ሓላፊ ቆንስል ስደተኛታት ባደን ቭርተምበርግ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ናብቲ መዓስከር ዝኣቱ ኮነ ዝወጽእ ሰብ ከምዘየለ ተገይሩ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከበባ ምእታዉ፣ ነቶም ስደተኛታት ከም ስግኣት ሃገር ጌርካ ካብ ምርኣይ ዝፍለ ኣይኮነን ክብል ዘለዎ ነቐፌታ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር ክወጹ፣ ቅድሚ ሰለስተ ሳምንታት ጥርዓን እኳ እንተቕረበ፣ ካብ መንግስቲ ጸማም እዝኒ ከምዝተዋህቦ’ዩ ዝሕብር።

ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ናጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ብምቁራጹ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምርካብ ተሓሪሙዎም ከምዘሎ ዝገለጸ ተጣባቒ’ቶም ስደተኛታት፣ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ካልእ መዓስከራት እውን ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ይረአ ከምዘሎ ኣቃሊዑ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ንጉድለት ጽሬት ኣብቲ መዓስከር ኣመልኪቶም ልዕሊ 100 ስደተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ምክያዶም ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0