ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ዝቀነዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ብፖሊስ ተበቲኖም

ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ዝቀነዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ብፖሊስ ተበቲኖም

Radio Erena: 17 June 2015

MfranIt

ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ዝቐነዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብፖሊስ ተበቲኖም።

እቶም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም፣ ምስ ፈረንሳ ኣብ እተዳውብ ቨንቲሚግልያ ዝተባህለት ንእሽቶ ናይ ኢጣልያ ከተማ ተዓጊቶም ዝንቐነዩ ኣማኢት ስደተኛታት፣ ፖሊስ ናብ ፈረንሳ ክሰግሩ ክፍቐድሎም ብምሕታት ዝተፈላለየ ተቓውሞታት’ዮም ኣካይዶም።

እንተኾነ፣ ፖሊስ ፈረንሳን ኢጣልያን ንተቓውሞታት እቶም ስደተኛታት ዕሽሽ ብምብላ፣ ነቲ ዶብ ኣጽኒዖም ዓጽዮሞ ቀንዮም።

 

ፈረንሳ፣ ነቶም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ዘለዎ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ሶርያ፣ ጋና፣ ናይጀርያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣፍደጌታታት ከተርሑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።

ሰሉስ 16 ሰነ፣ ፖሊስ ኢጣልያ ነቶም ኣብታ ከተማ ክተኣኻኸቡ ዝጸንሑ ስደተኛታት ጎነጽ እናተጠቕሙ ብሓይሊ ካብቲ ቦታ ከምዝበተንዎም ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣመልኪተን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ፓሪስ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡርን ብ ጎደናታትን ዝሓድሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብፖሊስ ብሓይሊ ድሕሪ ምብታኖም፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚውን ኣብቲ ከባቢ ደጊሞም ይተኣኻኸቡ ኣለዉ።

ምምሕዳር ከተማ ፈረንሳ ብዛዕባ ጉዳይ እቶም ስደተኛታት ጽዑቕ ዘተ ኣብ ምክያድ ይርከብ

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0