ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ንማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ዝኹንን መግለጺ ኣውጽኡ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ንማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ዝኹንን መግለጺ ኣውጽኡ

Radio Erena: 17 June 2015

The gurdian

ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ብዛዕባ ኤርትራ ንዘቕርቦ ዘሎ ጸብጻባ ዝቓወም ጋዜጣ መግለጺ ከምዘውጽአ ተሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ፣ ኣብ መግለጺኡ፣ ንማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ‘ዘይርትዓውን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዝጎደሎን’ ክብል’ውን ከምዝነቐፎ’ውን ተጠቒሱ ኣሎ።

ዘ ጋድርድያን ብዛዕባ ኤርትራ ብተኸታታሊ ጸብጻባት ካብ ዘቕርብ ዘሎ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ይቕጽሎ ከይህሉ ንምርግጋጽ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ መርመራ የካይድ ምህላዉ ምግላጹ ይዝከር።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ማዕከን ዜና፣ ብዛዕባ’ቲ ኮሚሽን መርማሪት ሰብኣዊ መሰላት ብመንግስቲ ኤርትራ ይፍጽም ከምዘሎ ዘረጋገጾ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቐሪቡ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ብቛንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን እትዳሎ መደበር ቴሌቪዥን ኣርተ፣ ‘ድምጺ ስቕያት ዘርእስቱ’ ስቓይ ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ዘንጸባርቕ ደኩመንታሪ ፊልም ምቕራባ፣ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ናብ ሓላፊት ናይቲ መደበር ቴሌቪዥን ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ምልኣኹ ኣይርሳዕን።

‘ባርባራዊ ጉዕዞ’ ዘርእስታ ተመሳሳሊት ፊልም ኣብ ፈረንሳ ንምርኢት ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን’ውን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ተቓውሞኣ ኣብ ዘስምዓትሉ ብጋዜጠኛታት ፈረንሳ ተሪር ነቐፌታ ከምዝወረዳ’ውን ይዝከር።

ኣምባሳደር ሃና፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ንጉዳይ ስደተ ዝምልከት ዘተ ድሕሪ ምስታፋ’ውን፣ ኤርትራውያን ዝስደዱ ዘለዉ ናይ ቁጠባ ጸገም ስለዘለዎም እንተዘይኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ጸገም የብሎም ክትብል ምስ ማዕከን ዜና ማልታ ኢንደፐንደንት ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ገሊጻ’ያ።

ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ መንግስቲ ዝፍጽሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን’ዩ ኣብ ዝብል ሕመረት ቀጻሊ ጸብጻባትን ደኩምንታሪ ፊልምታትን ኣብ ምቕራብ’የን ዝርከባ።

ብፍላይ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ድሕሪ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ረኺቡ ኣሎ።

እዚ ብማዕከናት ዜና ዓለም ዝወሃብ ዘሎ ሸፈነ ንኩነታት ኤርትራ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ኣቖጢዑ ይርከብ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0