መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወኪዱባ ሓያሎ ኣባይቲ ከፍርስ’ዩ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወኪዱባ ሓያሎ ኣባይቲ ከፍርስ’ዩ

Radio Erena: 17 June 2015

Housedest

መንግስቲ ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ፣ ኣብ ወኪዱባ’ውን ሃያሎ ኣባይቲ ንምፍራስ ቀይሕ ምልክት ክገብረሉ ከምዝጀመረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

እቲ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተዓደለ ናይ ጤሳ መሬት ዝተሰርሐ ኣባይቲ ወኪድባ ክፈርስ ምዃኑ ብሰንበት 14 ሰነ ንህዝቢ ከምዝተሓበሮ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ነቲ ብገዚፍ ወጻኢታት ዝሃንጾ ኣባይቲ ዚንጎን ሞራለን ንምድሓን’ውን ባዕሉን ተወሳኺ ክፍሊት እናኸፈለ ብክኢላታትን ከፍርሶ ጀሚሩ ምህላዉ ኣመልኪቶም።

 

እዚ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝትግበር ዘሎ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ፣ ንህዝቢ ካብ ዘጉሃየ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን፣ ኣብ ዳዕሮ ጳውሎስ፣ ቤት መኻእ፣ ዓዲ ቀይሕን ካልእ ከባቢታትን ኣማኢት ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዓዲ ቀይሕ ብፍላይ፣ ህዝቢ እታ ከተማ ንምፍራስ እቲ ኣባይቲ ብዘርኣዮ ተቓውሞ፣ ኣባላት ሰራዊት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0