ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 19 January 2017

Gambe

ካብ ዓሌት ሙርለ ዝኾኑ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዶብ ኣብ ዝርከብ ክልል ጋምቤላ ናይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተወላዶ እቲ ከባቢ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝቐተሉ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንበት 15 ጥሪ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓያሎ ቆልዑን ከብትን ዘሚቶም ከምዝኸዱ እቶም ምንጭት ብተወሳኺ ገሊጾም።

ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ዓሌታት ሙርለ፣ ኣኝዋክን ኑዌርን ከምዚ ዓይነት ግጭታት ብተደጋጋሚ ዝርአ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ቆልዑ ጨውዮም ምስዋሮም፣ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ምስሕሓብ ፈጢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

 ======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0