ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 28 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 16 March 2017

Gambella22

ኣብቲ ንኢትይጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘዳውብ ዘዳውብ ከባቢታት ዝርከቡ ዓሌታት ብዝካየድዎ ግጭት ብውሕዱ 28 ከምዝተቀትሉ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ10ን 12ን መጋቦት ዝተኻየደ ግጭት፣ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ካብ ኦኣሌት ሙርለ ዝኾኑ ዕጡቃት ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ሓንቲ ብ ክልል ጋምቤላ እትርከብ ቁሸት ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ፣ ኣፈኛ ምምሕዳር ዞባ ጋምቤላ ቾል ቻኒ ገሊጹ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ 10ታት ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ክኾኑ እንከለዉ፣ 43 ቆልዑ ድማ በቶም ዕጡቓት ተጨውዮም።

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ መንጎ ዝርከቡ ዓሌታት፣ ተደጋጋሚ እዋን ግጭት ከምዝርአ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ሚያዝያ 2016 208 ሰባት ከምዝተቀትሉን 125 ቆልዑ ከኣ ከምዝተጨውዩን ይዝከር።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቶም ብዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ዝተጨውዩ ኢትዮጵያውያን ቆልዑ ንምድሓኖም ወትሃደራዊ ስጉምቲ እኳ እንተወሰደ፣ ነቶም ዝበዝሑ ክረኽቦም ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0