ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሰግሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 39 ሚእታዊት ቆልዑ ምዃኖም ተገሊጹ

Radio Erena: 16 March 2017

IOM Endabaguna

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ምዕራብ ሽረ ኣብ ዝርከብ፣ ማእከል ምጽራይ ስደተኛታት እንዳባጉና፣ ካብ ዝምዝገቡ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም 39 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምዃኖም ተገሊጹ።

እቶም 14 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ከኣ ብዘይኣላዊ ዶብ ዝሰገሩ’ዮም ክብል ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት   (UNHCR) የመልክት።

መብዛሕቶም እዞም ብዘይኣላዩ ዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ምስ ስድራቤታቶም ወይ ኣለይቶም ዝራኸብሉ መንገዲታት ክሳብ ዝናደ፣ ናብ መዓስከራት ከይተላእኩ ኣብ እንዳባጉና ከምዝተሓዙ’ዩ ዝፍለጥ።

ገሊኦም ካብቶም ቆልዑ’ውን ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ ማእከል መጻረዩ ስደተኛታት ከምዘለው፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት IOM ብወገኑ የተሓሳስብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ምሕባሩ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ነቶም ኤርትራውያን ካብ መእከቢ ስደተኛታት እንዳባጉና ናብ መዓስከራት ንምብጽሖም ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM)፣ ሓድሽ ናይ መጓዕዝያ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ጀሚርዎ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብን ናብን ናይ ምብጽጻሕ ኣገልግሎት፣ ንዝተወጽዑን ህጹጽ ሓገዝ ንዘልድልዮም ቀዳምነት ዝሃበ ምዃኑ ብ14 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።

IOM ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይ 2017 ልዕሊ 4500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ብምዝኽኻር፣ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እንዳባጕና ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስደተኛታት የእንጊዱ ከምዘሎ የመልክት።

ኣብ ማእከል ምጽራይ ስደተኛታት እንዳባጉና፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝእከቡ ብምምልካት ከኣ ብዝቀልጠፈ ናብቲ ዝተመደብሉ መዓስከራት ንምብጽጽሖም ነቲ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ከምዝጀመሮ ይጠቕስ።

ዛጊት ልዕሊ 897 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ሕጻጽ፣ ዓዲ ሓሩሽ፣ ማይ ዓይኒን ሽመልባን ከምዘመላለሰ’ውን ይሕብር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0