ፕርዚደንት ትራምፕን ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም

Radio Erena: 16 March 2017

Trump

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ወራሲ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ዝምድና ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ከምኡ ድማ ኣብ ጉዳይ የመን የመን ብምትኳር ከምዝዘተየ ካብ ዋይት ሃውስ ዝተፈነወ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ኣብ የመን ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒት ከምእትድግፍን፣ ኣሸበርቲ’ዮም ንዝበለቶም ጉጅለታት ከኣ ብናይ በይና ተበግሶ መጥቃዕታት ክትፍጽም ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ’ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣሸበርቲ ዝበሎም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ክቕጽል ከምዝደሊ እኳ እንተረጋገጸ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ዝህልዎ ዝምድና ግና ከይተነጸረ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ ብሰሉስ 14 መጋቢት ኣብ ዋሽንግተን፣ ቤት መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ርክብ ፕረዚደንት ትራምፕን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን፣ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፣ ከም ቀደመን መሻርኽቲ ምዃነን ንምንጻር ዝዓለመ ምንባሩ ተንተንቲ የረድኡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት እስላም ዘንበሮ እገዳ፣ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ተቓውሞ ከምዘይብላን፣ እቲ እገዳ ናብ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ዝቀንዐ ከምዘይኮነን ከምእትኣምን ኣብዚ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ርክብ ኣፍሊጣ ኣላ።

መራሕቲ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ርክቦም፣ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጉዳያት ሶርያ፣ ንግዲ፣ ዕዳጋ ነዳዲን ካልእን ከምዝዘተዩ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ገሊጸን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0