ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣባላት ፖሊስ ዝቐተለ ወጥሪ ተኸሲቱ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣባላት ፖሊስ ዝቐተለ ወጥሪ ተኸሲቱ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 23 November 2015

Ken eth

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት፣ ኬንያ ዶባታ ዓጽያ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣርባዕተ ካብ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሰለስተ ከኣ ከምዝቖሰሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣስታት 10 ኣባላት ኬንያ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ኣቐዲሞም ብሚሊሻ ኢትዮጵያ ከምዝተጨውዩ’ውን ኬንያ ትገልጽ።

 

ኬንያ ብእትህቦ ዘላ መግለጺ፣ ኣስታት 200 ዝኾኑ ዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ ኣብ ሓለዋ ንዝነበሩ 10ታት ኣባላት ሰራዊት’ዮም ኣጥቒዖም።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ኬንያ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢታት ሞያለ፣ ሶሎሎ፣ ፎሮል፣ ዱካናን ኢልረትን ዝርከቦ ሓሙሽተ ነቑጣታት ዓጽያ ኣላ።

ኬንያ፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውባ ከባቢታት ተወሳኺ ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ’ውን ይጠቐስ።

ብሰንኪ ምዕጻው እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ሓሙሽተ ነቑጣታት፣ ነጋዶን ተጓዓዝትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ተዓጊቶም ከምዘለውይ ምንጭታት ዜና የረድኡ።

ነዚ ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማርሳቢት ናይ ኬንያ ኢንስፐክተር ዓሊ ጉዮ እኳ እንተረጋገጾ፣ መንግስታት ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ግና ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃባሉን።

ኢትዮጵያ፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምህዳን ብዝብል ዶብ ኬንያ ብተደጋጋሚ እዋን ክትጥሕስ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0