ፊንላንድ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.4 ሚልዮን ኤውሮ ፕሮጀክት ብሓገዝ ተካይድ ኣላ

ፊንላንድ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.4 ሚልዮን ኤውሮ ፕሮጀክት ብሓገዝ ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 23 November 2015

Peka

ፊንላንድ ኣብ ኤርትራ ናይ 2.4 ሚልዮን ኤውሮ ፕሮጀክት ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን፣ ዲጂታል ላይብረሪ ከምኡ’ውን ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ዝዓለም ናይ ሓገዝ ፕሮጀክት፣ ዝበዝሐ ክፋሉ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝተመወለ ኮይኑ፣ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታትን እታ ሃገርን ፊን ቸርች ኤድ ዝተባህለ ዘመንግስታዊ ማሕበርን ከኣ እቲ ዝተረፈ ክፋል ክሽፍንዎ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ 2 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝሰልዐ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ፊንላንድን ኣብ ሓገዝ ዘተኮር ቀጻሊ ርክባት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፕሮጀክት ብወግዒ ንምጅማር ከኣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ብ 2 ሕዳር ስምምዓት ከምዝኸተመ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ምጥቃሰን ይዝከር።

እንተኾነ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዝሒ ናይቲ መንግስቲ ፊንላንድ ነቲ ፕሮጀክት ዝመወሎ ገንዘብ ኣይሓበራን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመወልቲ ሃገራትን “መሻርኽቲ” ዝብሎም ኣካላትን ንዝዕመም ትምህርታዊ፣ ልምዓታዊ ይኹን ሕርሻዊ ፕሮጀክታት ብስም ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ይሰላሰል ከምዘሎ እናጠቐሰ’ዩ ዝጉስጉሰሉ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0