ኤርትራን ሱዳንን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ይሰሓሓባ

ኤርትራን ሱዳንን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ይሰሓሓባ

Radio Erena: 20 November 2015

Sudan Er

ዞባ ከሰላ ናይ ሱዳን ምስ ዞባ ጋሽ ባርካ ናይ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድናታት ንምሕያል ክሰርሕ ምዃኑ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ኢብራሂም ማሕሙድ ሓሚድ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ነዚ ዝገለጸ፣ ንኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ’ቲ ብሰንኪ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዞባ ከሰላ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብፍሉይ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን’ዩ።

 

ኣብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኻየደ ርክብ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣምሓዳሪ ዞባ ከሰላን፣ እቲ ዞባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ንግዳዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ዝምድናታት ንሕያሉ ክሰርሕ መምርሒ ከምዝተዋህቦ’ውን ምንጭታት ዜና ካብ ሱዳን ይጠቕሱ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ጸጥታዊ መዳያት ዞባ ከሰላን ኤርትራን ዝህሉ ምትሕብባር ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ኣምሓዳሪ ዞባ ኣደም ጃማ ኣደም፣ ብወገኑ ንኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፣ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ብምጥቃስ ኣብ ዞባ ከሰላን ጋሽ ባርካን ዘሎ ህሉዉ ኩነታት ኣብሪሁ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዘይሕጋዊ ንግዲ ከምኡ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ሳዕሪሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንባጤራ ናቕፋ ሃንደበት ክቕይሮ ምውሳኑ፣ ነቲ ካብን ናብን ከሰላ – ተሰነይ ብናይ ክልቲኤን ሃገራት ባጤራ ክግበር ዝጸንሐ ፍኑው ንግዲ ኣብ ሻቕሎት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ምምሕዳር ዞባ ከሰላ ካብ ወገን ኤርትራ ዘለዎ ሻቕሎታት ኣብ ዘግሃደሉ እዋን፣ ቀዳማኡ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኢብራሂም እድሪስ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል በክሪ ሓሰን ሳልሕ ብ13 ሕዳር ኣብ ካርቱም ከምዝተዘራረቡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናታቱ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ ከሰላ ኣብ ኢድ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ዞባን ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ዝቕየረሉ መንገዲ ንምዝርራብ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ተደጋጋሚ እዋን ናብ ኤርትራ ሕቶ የቕርቡ እኳ እንተለዉ፣ ክሳብ ብወገን ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እወታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡ’ዩ ዝግለጸ ዘሎ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ሱዳን ካብ 22 ክሳብ 23 ሕዳር ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ተወሳኺ ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም’ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0