ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ 39 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ 39 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 24 July 2015

Cholera

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕማም ተቕማጥ 39 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ደቡብ ሱዳን ሕማም ተቕማጥ እናስፋሕፈሐ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ናብ ለብዒ ከይሰጋገር ልዑል ጥንቃቐታት ክግበር ውድብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተቀላቐለ ሕማም ተቕማጥ ናብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር እናሰፋሕፈሐ ብምምጻኡ ክሳብዚ እዋን እዚ 39 ሰባት ክቐትል እንከሎ፣ ኣስታት 1300 ሰባት ከኣ በቲ ሕማም ተለኪፎም ከምዘለው’ውን እቲ ውድብ ኣረጋጊጹ።

 

ሕማም ተቕማጥ ወይ ሸሮኽ፣ ናብ ለበዳዊ ለብዒ ክሰጋገር ስለዝኽእል፣ ህዝቢ ኣብ ምንቅስቓስ ይኹን ጽሬት ኣብ ምሕላው ልዑል ጥንቃቐታት ክገብር ጻዎኢት ቀሪቡ ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ደቡብ ሱዳን፣ ካብ 23 ሰነ ኣትሒዙ ሕማም ተቕማጥ ይላባዕ ምህላዉ ብወግዒ ሓቢሩ’ዩ።

ፈለማ ኣብ ዞባ ማእከላይ ኢካቶርያል ከባቢ ከተማ ጁባ ዝተራእየ እቲ ሕማም ናብ ዞባ ጆንገሊ ከምዘስፋሕፈሐ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ኣረጋጊጹ።

እቲ ልዑል ናህሪን ተደጋጋሚ ተቕማጥን ብምስዓብ ናብ ሞትትት ዘብጽሕ ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ፣ ብፍላይ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብረሉ ከም መዓስከራት ዝኣመሰለ ቦታን ጽሬቱ ኣብ ዘይትሓለወ ከባቢታትን ከምዘስፋሕፍሕ ክኢላታት የመልክቱ።

እዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተራእዩ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሕማም ተቕማጥ’ውን ናብቲ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለዉ መዓስከራት ከይላባዕ ተሰጊኡ ኣሎ።

ካብን ናብን ደቡብ ሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝንቀሳቐሱ ነጋዶን ካልኦት ተጓዓዝትን’ውን ልዑል ጥንቃቐታት ክገብሩ ክኢላታት ጥዕና ምኽርታቶም ይልግሱ ኣለዉ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0