ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስትን ተቓወምትን ዝተፈላለየ መግለጺታት ይህብሉ

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስትን ተቓወምትን ዝተፈላለየ መግለጺታት ይህብሉ

Radio Erena: 16 May 2016

Arba

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምትን ዝተፈላለየ መግለጺታት ይህብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብ12 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ካብ ኤርትራ ዝተበገሱ ዕጡቓት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከየካየዱ ግዳያት ሞት፣ መቑሰልትን ምምራኽን ከምዝኾኑ ከመልክት እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ሓርበኛታት ግንቦት ሸውዓተ ዝተባህለ ተቓዋሚ ከኣ ኣብ ኣርባ ምንጭ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ 20 ወትሃደራት መንግስቲ ከምዝቐተለን ኣስታት 50 ከኣ ከምዘቑሰለን ድሒሩ ሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ዕጡቓት ካብ ኡጋንዳ ናብ ኬንያ ድሕሪ ምስጋሮም ብመንገዲ ሞያለ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዩ’ዩ ዝግለጽ።

 

መብዛሕትኡ እዋን፣ እቶም ብኤርትራ ከምዝድግፈኡ ዝንገረሎም ከም ደምህትን ግንቦት 7 ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ካብ ኤርትራ ብቀጥታ ዶብ ብምስጋር ወይ ከኣ ዶባት ሱዳን እናተጠቕሙ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ከምዝፍንዉ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ዝፈሸለ ብወገን ተቓወምቲ ከኣ ዕዉት ኔሩ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንከባቢ ኣርባ ምንጭ ዒላማ ዝገበረሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ሓድሕደን ኣብ ምዕጣቕን ምድጋፍን ተጸሚደን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝድገፉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ እዋናት መጥቃዕቲ ከካይዱ እንከለዉ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ዝድገፉ ዕጡቓት ኤርትራ ግና ዶባት እናሰገሩ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ከካይዱ ኣይርኣዩን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0