ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ናብ ኤርትራ ክዛወሩ ይዕደሙ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ መንእሰያት ከኣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ይጽውዑ

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ናብ ኤርትራ ክዛወሩ ይዕደሙ፣ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ መንእሰያት ከኣ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ይጽውዑ

Radio Erena: 13 May 2015

Notice

ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ፣ ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ መንእሰያት፣ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ክብገሱ ጻውዒት የቕርባ ምህላወን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ምምሕዳር ዕዳጋ ሓሙስ ብ10 ዝለጠፎ መጸዋዕታ ከም ኣብነት ስኢሎም ዝሰደዱ እቶም ምንጭታት፣ ኩሎም’ቶም ንታዕሊም ዘይወረዱ ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መንእሰያት ናብ ናይ ታዕሊም ቦታ ንኽብገሱ ንቀዳም 28 ግንቦት ንግሆ ሰዓት 6፣00 ኣብ ቀጽሪ’ቲ ምምሕዳር ክርከቡ የመልክት።

እተን ምምሕዳራት ብመንግስቲ ብዝተዋህበን መምርሒ መሰረት፣ ነዚ መጸዋዕታታ ኣብ ፈቐዶ መናድቕ ዝልጥፋ ዘለዋ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ብሕጂ ውን ብዝሰፍሐ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎን ጽዑቕ ግፋ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ እዋን ግንቦት 24 መዓልቲ ናጽነት ጽዑቕ ግፋ ከምዘካይድ ዝፍለጥ’ዩ።

በንጻር’ዚ እቲ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ደገፍቱ ብፍላይ መንእሰያት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት፣ ሰፊሕ ናይ ዑደት ኣዳልዩሎም ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ኤርትራ ክዛወሩ ዕድመ የቕርበሎም ኣሎ።

ብግፋ ናብ ታዕሊም ዘውረዶም መንእሰያት፣ ብ3 ሚያዝያ ብመንገዲ ኣስመራ ናብ ከባቢ ዓሰብ እናምርሑ፣ ዘዘሊሎም ክሃዱሙ ኣብ ዝፈተኑ ብዝተኸፍተ ቶዅሲ፣ ሓያሎ መንእሰያት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ ኩሎም’ቶም ካብ ኣሃዱታቶም እናመሎቝ ፈቐዱኡ ተበታቲኖም ዝጸንሑ መንእሰያት፣ ኣብ ዝሓጸረ ነናብ ኣሃዱታቶም እንተተመሊሶም፣ ዝኾነ መቕጻዕቲ ከምዘይገብረሎም ዝሕብር ጻውዒት ከምዝገበረ ኣይርሳዕን።

ነቶም ብፍቓዶም ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ መንእሰያት ንምህዳን ከኣ በብእዋኑ ግፋታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንዝበዝሑ መንእሰያት መጻኢኦም ኣጸልምቲ ብምህላው፣ ገሊኦም ካብ ኣሃዱታቶም እናመሎቝ ነናብ ቦትኦም ክምለሱ እንከሉ፣ ዝበዝሑ ከኣ ናብ ስደት ከምርሑ’ዮም ዝግደዱ።

ናይ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርና ዝመረሮምኣባላት ሰራዊት ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ፣ መዓልታዊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሰግሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0