ኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ሕ.ኢ.ዓ. ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ሞይቶም

ኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ሕ.ኢ.ዓ. ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ሞይቶም

Radio Erena: 18 October 2017

uae planeኣብ የመን ደብዳብ እተካይድ ዝነበረት ነፋሪት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወዲቓ ብምሕምሻሻ ክልተ ኣብረርታ ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት፣ ብሰሉስ 17 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ስርሒት እንከላ ብሰንኪ ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ከምዝወደቐት ዝሓበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢማራት፣ ክልቲኦም ኣብረርታ ከምዝሞቱ ተኣሚኑ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እታ ነፋሪት ካብ ሓይልታት ሑቲ ብዝተተኮሰላ ጸረ ነፈርቲ ተወቒዓ ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ።

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ የመን ኣብ ዝወደቐት ሓንቲ ነፋሪት ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብራሪኣ ከምዝሞተ ይዝከር።

ኣንጻር’ቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ የመን ኮይኑ ዝምክት ዘሎ ሑቲ፣ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ወደብ ዓሰብ ንዝተበገሰት ወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዘዕነወ ኣይርሳዕን።

ነፈርትን መራኽብን ኵናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዓሰብ እናተበገሳ ኣብ የመን ደብዳብ ከካየዳ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ኣስታት 100 ወትሃደራት ከምዝሞቱዋ’ያ ትጠቅስ።

ብኣንጻሩ፣ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ቀዚፈን ኣለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0