ሶማል፣ ፕረዚደንት ዝመርሖ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ሶማል፣ ፕረዚደንት ዝመርሖ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 20 October 2017

somal protest

ኣብ ሶማል፣ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝመርሖ፣ ኣንጻር ኣልሸባብን ካልኦት ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ18 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተረኺቦም።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንግዳያት እቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸበደ ዝኾነ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ወትሩ ክንዝክሮም ኢና ክብል እንከሎ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ኻይረ ድማ እቲ ሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበር መቃዕቲ፣ ንሶማላውያን ከምዝሓብሩ ጌሩ ኣሎ ክብል ገሊጹ።

 

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 100 ካብዚኣቶም መንነቶም ብግቡእ ከይተነጸረ’ዮም ተቐቢሮም፣

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን፣

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0