ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ መዓስከር ስደተኛታት ኡም ገርጉር፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም

ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ መዓስከር ስደተኛታት ኡም ገርጉር፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም

Radio Erena: 23 June 2017

Gedarf

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ ኡም ገርጉር ኣብ ዝተባህለ ናይ ቀደም መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፣ ብሕማም ውጽኣት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ጃዕፈር ኢብራሂም ወሳካ ዝተባህለ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ካብ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ምስ ሬድዮ ኤረና ፈነወ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያሎ ጻዕርታትን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓገዛትን፣ መድሃኒታት ሳላ ዝተገዝአ፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ተገቲኡ እኳ እንተሎ፣ ዝያዳ ውሕስነት ንኽህልዎ ግና ካልኦት’ውን ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ኮርኮራ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ጎና ኣብ እትርከብ ካልእ ናይ ቀደም መዓስከር’ውን ብተመሳሳሊ ሓደ ኤርትራዊ ብሰንኪ እቲ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም ከዝሞተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሱዳን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ሸሮኽ ምዃኑ ብዝግለጽ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ ኣስታት 15 ሽሕ ከኣ ከምዝተጠቕዑን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ ዝርከባ መዓስከራት ኡም ገርጉርን ኮርኮራን፣ ካብ 1970 ኣትሒዞም ዝተሰዱ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ናይ ቀደም መዓስከራት ኮይነን፣ ኣብ ኡም ገርጉር ጥራይ ኣስታት 18 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝነብሩ’ዩ ዝግለጽ።

ነዞም ን10ታት ዓመታት ኣብ ሱዳን ተሰዲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን ንምምላስ፣ ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ብመንገዲ ቀይሕ መስቀል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ተበግሶ ተወሲዱ እኳ እንተነበረ ክዕወት ኣይክኣለን።

ድሒሩ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈጠረ ኩነታት፣ ሓድሽ ወለዶ’ውን ብብዝሒ ናብ ሱዳን ናብ ስደት ከምርሕ ስለዝጀመረ፣ እቶም ን10ታት ዓመታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሕልሞም ብኡ ኣቢሉ ከምዝጸልመተ’ዩ ዝሕበር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0