ኢትዮጵያ ንናይል ክትግድቦ ምጅማራ ግብጺ ናይ ማይ ስግኣት የንጸላልዋ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጹ

ኢትዮጵያ ንናይል ክትግድቦ ምጅማራ ግብጺ ናይ ማይ ስግኣት የንጸላልዋ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጹ

Radio Erena: 25 June 2017

Egy ET Ugan

ኢትዮጵያ ንወሓዚ ናይል ክትግድቦ ምጅማራ ናብ ግብጺ ዝውሕዝ ማይ ከምዝጎደለ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሓሙስ 22 ሰነ ኣብ ኡጋንዳ ፣ ከተማ ኢንተበ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይተን ወሓይዝን ናብ ናይል ዝፈስስ ሃገራት’ዩ።

ኣብቲ ብተበግሶ ፕርዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሩ ሙሴቬኒ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ፕረዚደንት ግብጽን ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ብኣካል ተረኾቦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይል ገምጊሞም።

ኢትዮጵያ ንናይል ክትግድቦ ካብ እትጅምር፣ ግብጺ ኣስታት 21.5 ቢልዮን ትርብዒት ሜትሮ ማይ ከምዝጎደላ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ እታ ሃገር ካብ እትህልኾ ሓፈሻው ማይ እቲ 96 ሚእታዊት ካብ ናይል ዝርከብ ብምዃኑ ዘለዎ ስግኣት ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ፣ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ብማይ ዘመንጩ ጸዓት ስለዘድሊ፣ ምግዳብ ወሓዚ ናይል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ እቲ ኢትዮጵያ፣ ንዲጋ ተሃድሶ ንረብሓታት ግብጺ ብዘይሃሲ መንገዲ ትሃንጾ ከምዘላ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣረዲኡ።

ነቲ ዋዕላ ዝወደብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ፣ ዕላማት እቲ ኣኼባ፣ ኩለንተን ኣብ ናይል ዝዋሰና ሃገራት ብሓባር ዝረብሓሉ መንገዲ ንምዝታይ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዋዕላ ብዘይካ መራሕቲ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ወከልቲ ናይተን ብተበግሶ ኢንተበ ዝፍለጥ ስምምዕ ዝኸተማ ርዋንዳ፣ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ብሩንዲ፣ ታንዛንያን ኬንያን’ውን ተረኾቦም ኔሮም።

ነቲ ኣብ 2010 ዝተመስረተ ተበግሶ ስምምዕ ናይተን ወሃይዘን ናብ ናይል ዝፈስስ ሃገራት ሱዳንን ግብጺ ኣይተጸንበርኦን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0