ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ሰጉጓ

ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ሰጉጓ

Radio Erena: 23 June 2017

yemen

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ንግስነት ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ሰጉጉ።

ቀጠር ንኣምባሳደር የመን ትሰጉግ ዘላ፣ ኣብ ስደት፣ ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ መንግስቲ የመን ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ድሕሪ ምብታኹ’ዩ።

ምስ ስዑዲ ዓረብ ይኹን ምስ ቀጠር ጸግዒ ዘይሓዘት ሱዳን፣ ምእንቲ ረብሓታት የመን ኣብ ቀጠር ዝከኣላ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያላ።

የመን፣ ባሕሬን፣ ግብጺን ሊብያን ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋን ዝምድንአን ከምዝበተኻ ኣይርሳዕን።

 ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝወገና ኤርትራን ጅቡትን’ውን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ኣዛሕቲለን እኳ እንተለዋ፣ ምሉእ ብምሉእ ግና ኣይበተኻን።

ኣምባሳደራት ክልትኤን ሃገራት’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀጠር፣ ከተማ ኣዶሓ’ዮም ዝርከቡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0