“ኣብ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታትን 57 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም” ሚ/ጥዕና ሱዳን

Radio Erena: 27 September 2016

Dia

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታት ሱዳንን 57 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ብሉ ናይል፣ ሰንናር፣ ከሰላን ሰሜናዊ ናይልን ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት በቲ ውጻኣት ዘስዕብ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ሕማም ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝቕልቐል ዛጊት ኣስታት 470 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 10 ሽሕ ከኣ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑን፣ ንሰብ ሞያ ሕክምና ብምውካስ ሬድዮ ዳባንጋ ካብ ኣምስተርዳም ሓቢራ።

 

እታ ሬድዮ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ንዘዋስን ሓያሎ ከባቢታት ጽኑዕ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ክሳብ ዝግበረሉ ንህዝቢ ካብ ፍኑው ምንቕስቓስ ገቲኡ ከምዘሎ ጠቒሳ።

እዚ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ተላባዒ ሕማም፣ ኣብ ኤርትራ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ’ውን ሓያሎ ሰባት የጥቕዕ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ሕማም ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ እኳ እንተዘየውጽአ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብዝምልከት ንዝህቢ ባረንቱ ኣስመህሮ ከምዝሃበ ይዝከር።

ሸሮኽ፣ ብሰንኪ ርስሓት፣ ጽሬቱ ዘይሓለወ መግብን ማይን ዝኽሰት፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ተላባዒ ሕማም’ዩ።

ካብዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል፣ ጽሬት መግብ ማይን ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ፣ ህዝቢ ኣብ ጽሬት ኣመጋግብኡን ኣከባቢኡን ዕቱብ ምክትታል ክገብርን፣ ምልክታት እዚ ሕማም እዚ ናብ ዝተራእዮ ከባቢታት ብፍኑይ ከይንቀሳቐስ ክኢላታት ይመኽሩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0