ብሪጣንያ፣ ሕ/ኤውሮጳን ባንክ ዓለምን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ይውጥኑ

Radio Erena: 28 September 2016

Refugee Camp

ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ባንክ ዓለምን፣ ንዜጋታት ኢትዮጵያን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣር፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዕላምኡ ናይ ኣስታት 500 ሚልዮን ዶላር ኢንዱስትራዊ ፓርክ ንምህናጽ፣ መደብ ከምዘለወን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ዝህንጸ ኢንዱስትርያዊ ፕሮጀክት፣ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ናይ ስራሕ ኦዽል ክረኽቡ ምዃኖም’ዩ ተገሚቱ ዘሎ።

እቲ መደብ፣ ብጠለብ ኢትዮጵያ ከምዝቐረበ ዝሓበረ ቢቢሲ፣ እታ ሃገር ካብቶም ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ምዃኖም ዝንገረሉ ዘሎ ኣስታት 100 ስሕ ሰባት ንኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ተመባጺዓ ምህላዋ ኣገንዚቡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረሳ መይ፣ እቲ ፕሮጀክት ድኻታት ክነሰን ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ንዘዕቆባ ሃገራት ምሕጋዝ ከም ሓደ መርኣይ ወይ ሞዴል ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጻ።

ፕረዚደንት ባንክ ወፍሪ ኤውሮጳ ቨርነር ሆየ ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ ኣውራ መናሃርያ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝብገሱ ስደተኛታት ብምዃና፣ እቲ ፕሮጀክት ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ኤርትራን ሶማልን ዝመጹ ኣስታት 700 ስሕ ስደተኛታት ኣዕቝባ ከምዘላ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት።

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብእኩብ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መስርሕ ከምቲ ዝድለ ብዘይምቕጻሉ፣ 10ታት ኣሽሓት ነቲ መዓስከራት ብምርሕራሕ ብመንገዲ ሱዳን፣ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ይውሕዙ ከምዘለው ዝፍለጥ’ዩ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0