ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ንፕረዚደንታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዓሊ ቦንጎን የመጉስ

Radio Erena: 27 September 2016

Isu Ali

ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ኣብ ምድልዳል ሃናጺ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከምዝነጥፍ ዝገልጽ ትካል፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ንዝኾነ መራሒ ጋቦን ዓሊ ቦንጎ፣ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂብዎ።
 
እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነቲ  Global Citizen Award ዝሰመዮ ናይ ክብሪ ሽልማት፣ ንፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ክህቦ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ እቲ መራሒ ንህዝቢ ሃገሩ ንዝገብሮ ዘሎ ኣገልግሎትን፣ ንመነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምጓስን’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ካብ 1967 ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ 2009፣ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝጸንሐ ኣቡኡ ብምትካእ ፕረዚደንት ዝኾነ ዓሊ ቦንጎ ኦንዲምባ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዘካየዶ ስማዊ ምርጫ፣ ድምጺ ህዝቢ ብምድንጋር ድሕሪ ምዕዋቱ፣ ንሱ’ውን ከም ኣቡኡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ የጣጥሕ ምህላዉ’ዩ ዝንቀፍ።

ጋቦን ካብ 1967 ኣትሒዛ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን49 ዓመታት ክልተ መራሕቲ ጥራይ ክትርኢ እንከላ፣ ንሳቶም ከኣ ኣቦን ወድን’ዮም።
 
ይኹን’ምበር ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ነዚ ከም ኣቡኡ ስልጣን ንምብሓትን ንጋቦን ብስድራቤት ጥራይ ንኽትምራሕ ዝጽዕር ዘሎ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ  Global Citizen Award ምሽላሙ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ምልኪ ሰሪቱ ንኽነብር ዘተባብዕ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ዲሞክራሲ ይነቕፍዎ።
 
እዚ ትካል፣ ኣቐዲሙ’ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ዝኣምን ኣብነታዊ መራሒ’ዩ ክብል ክገልጾ እንከሎ፣ ባይቶ ኣመሪካ፣ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ብ14 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምጥባቕ ናይ ደገፍ መግለጺታት ምሃቡ ይዝከር።
 
እዚ ትካል፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ቢሻ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን  ገዚፍ ምወላ ከምዝረክብ ይፍለጥ።
 
ሃናጺ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንምትብባዕ ኣብ 1961 ዝተመስረተ ኣትላንቲክ ካውንስል፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኩባንያታትን ማሕበራትን ምወላ ብምርካብ ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ትካል’ዩ።
 
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0