ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ወዲቑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ልኡኻቱ ናብ ሰርብያ ይሰድድ

Radio Erena: 10 March 2017

Serbia

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሰርብያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሰርብያ ኢቪካ ዳቺች ኣብ ከተማ ቤልግረድ ብምርካብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘትዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ልኡኽ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ክልትኤን ሃገራት ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ንግድን ወፍርን ክህሉ ንዝኽእል ናይ ምትሕግጋዝ ዕድላት ንምድህሳስ ዝብል መግለጺ እኳ እንተተዋህቦ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ኣማራጺ ሃገራት ንምንዳይ ካብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕርታት ምዃኑ’ውን ተንተንቲ ግምታቶም ይህቡ።

ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ዝሓሸ ኣማራጺ ንምንዳይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከቛምት ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ 2009 ከምኡ ድማ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ዝተነብረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምስጢር ወትሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ምስ ሃገራት ዞባ ባልካን፣ ጸሊም ቀላይን ርሑቕ ኤስያን ርክባት ከምዘካየደ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እቲ መንግስቲ፣ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ኩባንያ ግሎኮም ኣቢሉ፣ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ንምሽማት ምስ ሰሜን ኮርያ ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝኸተመ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምቅልዑ ይዝከር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0