ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ዕሉል ሊብያዊ ሰምሳሪ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ዕሉል ሊብያዊ ሰምሳሪ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 August 2017

libyan smugller

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ዝጸንሐ ዕሉል ሊብያዊ ሰምሳሪ ፋሂም ሳሊም ቢን ከሊፋ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ።

ኣብ ከተማ ጣራብሎስ ዝመደበሩ ኣሃዱ ምቑጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ሊብያዊ ሰምሳሪ ንነዊሕ እዋን ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።

ቢን ከሊፋ፣ ናብ ፍርዲ ክቀርብ ምዃኑ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ከተማ ጣራብሎስ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሊብያ ኦብዘርቨር ሓቢራ።

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደኛታት ዝነጥፉ ሊብያውያን፣ ኣብ ትሕቲኦም ከም ኣወሃሃድትን ደላሎን ዝዋስኡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዘለውዎም ዝፍለጥ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0