ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንውሳኔታት እስራኤል ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 January 2017

Israel Demo

ኣብ እስራኤል፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ኣብ ዝግለጽ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋም፣ ብሓሙስ 26 ጥሪ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብ13 ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ዝተበገሱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ዮርሳሌም ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ፊት ፓርላማ እስራኤልን ብምትእኽኻብ’ዮም፣ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዝኹንን ተቓውሞታት ኣስሚዒኦም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ብዕቱብ ስለ ዘይተገንዘቦ፡ ኣብ ብይኑ ንመንግስቲ እስራኤል ዝሕግዝ ውሳኔታት ከሕልፍ ብምጽንሑ፣ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ እዮርሳሌም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሃኣልዮን ሰልማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር የረድእ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ኾሎት ኣሲርዎም ዘሎ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ዝብል ሓድሽ ሕጊ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካዚ፡ ነብሲ ወከፍ ስደተኛ 20% ካብ ኣታዊታቱ ተቖሪጹ፡ ኣብ ፍሉይ ባንክ ተቐሚጡ ክጸንሕ ዝብል ሓድሽ እማመ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ብምህላዉ፣ እዚ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ’ውን ነዚ ንምቅዋም ምዃኑ ተሳተፍቲ ናይቲ ሰልፊ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ፡ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ዘሎ እሞመ፡ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤታትን ብዝያዳ ከም ዝሃሲ ይዝረበሉ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ብግዴታ ኣብ ባንክ ክጸንሕ ኣለዎ ዝብሎ ዘሎ 20% ካብ እቶት ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ፣ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ፍቓደኛ ክሳብ ዘይኮኑ ከምዘይወሃቦም ይንገር።

በቲ መንግስቲ ክወጽእ ዝተኣዘዘ ስደተኛ፣ ምውጻእ እንተኣብዩ ድማ እቲ ኣብ ባንክ ዝርከብ ውህሉል 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቱ ክህገር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖሊሲን ኣብ ጸጽባሕ ዘውጽኦ ዘሎ ውሳኔታትን ኣብ ዝተቓወምሉ፣ ብርክት ዝበሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ወገናቶም’ውን ከምዝተጸንበርዎም ወኪል ሬድዮ ኤረና ሓቢሩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0