ፋሉላት ኣኽላባት፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት የውርዱ

Radio Erena: 27 January 2017

HAdas Aklabat

ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ፋሉላት ኣኽላባት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት የውርዱ ከምዘለዉ፣ ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 17 ጥሪ ሕታማ ገሊጻ።

እታ ሕታም መበል 26 ዓመት ቁጽሪ 119 ጋዜጣ፣ ኣብ ዓምዲ ደብዳቤታት ኣንበብቲ፣ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብእንዳ ኮርያ ዝፍለጥን ከባቢ እንዳ ሚካኤልን ብርክት ዝበሉ ኣኽላባት ተዘሪኦም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ብጉጅለን ብውልቅን ኣብ ፈቐድኡ እናዛወኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከውርዱ’ውን ከምዝርኣዩ ጠቒሳ።

እቲ ብሓደ ነባሪ ከተማ ባጽዕ ብዝተላእከ ወሃቢ ርእይቶ ዝቐረበ ሓበሬታ፣ ብዕለት 22/12/2016 ንሓንቲ ኣደ ሽሞንተ ኣኽላባት ከቢቦም፣ ክልተ ካብኦም ክሰሃሉወን ከምዝፈተኑ ብምምልካት፣ ሓለፍቲ መንገዲ ነቶም ኣኽላባት ብምብራር ነተን ኣደ ናብ ሕክምና ከምዝወሰድወን ይገልጽ።

እቶም ሓለፍቲ መንገዲ ነተን ኣደ ናብ ሕክምና ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን፣ ብተመሳሳሊ ብከልቢ ዝተነኽሱ ክልተ ሰባት ኣብቲ ሕክምና ከምዝጸንሕዎም ጸሓፊ እቲ ርእይቶ ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ይህብ።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ከልቢ ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምንካሶም፣ እቲ ንሰለስቲኦም ዝነኸሰ ፋሉል ከልቢ ብነበርቲ እንዳ ሚኪኤል ተቐቲሉ እኳ እንተኾነ ጉጅለኡ ግና ሕጂ እውን ሰባት ኣብ ምጽባእን ምኽታርን ከምዝርከቡ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራይ ሽዱሽተ ሰባት በኽላባት ከምዝተነኽሱ ዘነጸረ ሓበሬታ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፣ እዞም ኣብ ከተማ ባጽዕ ካብ ናብ ክዛውኑን ሰባት ከሸግሩን መሬት ዝዓርቦምን ዝወግሖምን ዘሎ ፋሉላት ኣኽላባት ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ተጠቒዖም ከይኮኑ ንነበርቲ ከተማ ባጽዕ ኣሻቒሉ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ፣ ነዚ ንነበርቲ እታ ከተማ ብፍላይ ድማ ነበርቲ እንዳ ኮርያን እንዳ ሚካኤልን ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣውዲቕዎም ዘሎ ጉዳይ ፋሉላት ኣኽላባት ብዕቱብ ጠሚቱ ዝኸበደ ጉድኣት ከየውረዱ እንከለዉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክለቕሞም ጸሓፊ እቲ ርእይቶ ይላቦ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ጽምዋን ጸልማትን ተጎልቢቦም ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘረፋን ክትራንን ዘውርዱ ሰረቕቲ ገኒኖም ከምዘለው ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ጉዳይ ፋሉላት ኣኽላባት ብዝምልከት ዝተወከሰቶም ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ እታ ሓደ እዋን ዕምርትን ለይቲ ምሉእ ዘይትድቅስን ዝነበረት ከተማ፣ ብሰንኪ ምድስካል ንጥፈታት ወደብን ተደጋጋሚ ግፋን ማእሰርትን ሰባት ብጽምዋ ተዋሒጣ ከምዘላ ብምዝኽኻር፣ ፋሉላት ኣኽላባት ጥራይ ዘይኮኑ፣ ነቲ ኩነታት ዝምዝሙ ሰረቕቲ’ውን ኣብ ነበርታ ጉድኣት የውርዱ ከምዘለዉ ብምረት ገሊጾም።

ንህዝቢ ትንፋስ ብዘይህብ ግፋ ላሕ ኣቢሉ ዘሎ ስርዓት፣ ኣብ ሰባት ጉድኣት ንዘውርዱ ዘለዉ ዕስለ ፋሉላት ኣኻልብ ክሃድን ዘይምኽኣሉ፣ ነበርቲ ባጽዕ ክሕጭጭሉ ይውዕሉ ምህላዎም’ውን ጠቒሶም።

ሰረቕቲ፣ ጽምዋን ጸልማትን እናተጎልበቡ ሰባት ይኸትሩ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ኣብ ገዛውቲ እናኣተዉ’ውን ናይ ጋዛት ዓታሩን ካልእ ንብረትን ምዝማት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤርትራ ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝዝረበሉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0