ኤርትራ፣ ንውሽጣዊ ናይ መጓዕዝያ በረራታት ካብ ግብጺ ነፋሪት ትካረ

Radio Erena: 30 January 2017

antonov

መንግስቲ ግብጺ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ንምርግጋጽ፣ ኣብ መጓዓዝያ እተግልግል ነፋሪት ብክራይ ከምዝሃበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ ኣስታት 50 ተሳፈርቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዋ፣ ኣብ መፋርቅ 1990ታት ካብ ዩክሬን ዝተሸመተት፣ Antonov AN-140 ዝዓይነታ ነፍሪት፣፣ ኣብ ውሽጥዊ መጓዓዝያታት ግብጺ ከተገልግል ምጽንሓ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ መንጎ መንግስታት ግብጽን ኤርትራ፣ ብዝካየድ ዘሎ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ድማ፣ መንግስቲ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብን ናብን ኣስመራ ካይሮ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ በረራታት እተገልግል ነፋሪት’ውን ብልቃሕ ከምዝሃበ’ዩ ዘረጋግጽ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

እታ ነፋሪት፣ ካብን ናብን ኣስመራ ባጽዕን ዓሰብን ውሽጣዊ ኣገልግሎታት ክትህብ ጀሚራ ኣላ።

ሳሕቲ ዝካየድ ሲቪላዊ ውሽጣዊ በረራታት ኤርትራ፣ Y -12 ን Beachcraft ን ብዝተባህላ ካብ 12 ክሳብ 16 ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ብዘለወን ንኣሽቶ ነፈርቲ ክሰላሰል ምጽንሑ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ምስ ምምጻእ እታ ሓዳስ ነፋሪት ካብ ግብጺ፣ እቲ ናብ ዓሰብን ባጽዕን ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብኣኣ ተተኪኡ ይርከብ።

ቴክኒሻናትን ኣብረርትን እታ ነፋሪት፣ ዜጋታት ግብጽን ዩክሬይንን ምዃኖም እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት የመልክቱ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ መንገዲ ኣየር ግብጺ ናይ ኤርትራ በረራታቱ ናብ ሽዱሽተ ግዜ ኣብ ሰሙን ክብ ከምዘበሎ ይዝከር።

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ፣ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት፣ ብዝሒ ገያሾ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ክሳራታት ስለዘጋጠሞ ደው ከብል ተደጋጋሚ እዋን፣ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ መንገዲ ኣየር ምሕጽንታ ይቐርበሉ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ብዘሎ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ግና እቲ መንገዲ ኣየር ክቕጽል ከምዝተደፋፍአ ‘ኤልባላድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግብጺ የመልክት።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0