ኣብ ካሌ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝተላዕለ ግጭት ብምትእትታው ፖሊስ ሃዲኡ

ኣብ ካሌ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝተላዕለ ግጭት ብምትእትታው ፖሊስ ሃዲኡ

Radio Erena: 06 August, 2014

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ኣብ መንጎ ዘለዉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝተላዕለ ግጭት ብምትእትታው ፖሊስን ፍሉያት ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳን ሃዲኡ።

እቲ ብሰንኪ ዋንነት ናይቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝሰግራ ዓበይቲ መካይን ዝዕሸጋሉ ቦታ ማለት ፓሪክግን መዕረፊ ቦታን ዝተላዕለ ምትፍናን ካብ ትማሊ ሰኑይ እኳ እንተጀመረ፣ እቲ ምትፍናን ናብ ግጭት ዓሪጉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን በእማን፣ ኣባትር፣ ጠራሙዝን ካራሩን’ዮም ተባኢሶም።

 

ኣብቲ ብቅድሚ ትማሊን ትማሊ ዝተጎሃሃረ ግጭታት ካብ ወገን ኤርትራን ሱዳንን ሱዳንን 51 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ሓደ ብጽኑዕ ተሃስዩ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ይርከብ።
======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0