ኣብ ሊብያ ኣዲኡ ብሓደጋ መኪና ዝሰኣነ ወዲ 3 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ምስ ኣቡኡ ኣብ ማልታ ተራኺቡ

ኣብ ሊብያ ኣዲኡ ብሓደጋ መኪና ዝሰኣነ ወዲ 3 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ምስ ኣቡኡ ኣብ ማልታ ተራኺቡ

Radio Erena: 06 August, 2014

Eri Child in Malta

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ሊብያ ብሓደጋ መኪና ኣዲኡ ዝሞተቶ ወዲ 3 ዓመት ኤርትራዊ ህጻን ብሓገዝ መንግስቲ ማልታን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ኣብኡ ተራኺቡ።

ኣቤል ዝተባህለ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን ሒዛ ናብ በዓልቲ ቤታ ናብ ማልታ ንምስጋር ኣብ ሊብያ ዝነበረት እታ ኤርትራዊት ኣደ፣ ኣብ ቤንቓዚ ሓደጋ መኪና ድሕሪ ምሟታ ምስ ተረጋገጸ፣ እቲ ህጻን ብቕልጡፍ ምስ ኣብኡ ንምጽንባሩ መንግስቲ ማልታን UNHCRን ብዘካየድዎ ጻዕሪ ምስ ወላድኡ ክራኸብ ከምዝኸኣ ማልታ ኢንዲፐንደት ዝተባህለ ማዕከን ዜና’ውን ኣረጋጊጹ።

 

እታ ሸዊት ዝተባህለት ኣደ ናብ ማልታ ካብ ዝኣቱ ካልኣይ ዓመቱ ምስ ዝገበረ በዓልቤታ ንምጽንባር ቦኽሪ ውላዳ ምስ ስድራቤታ ኣብ ኤርትራ ሓዲጋ’ያ ንኣቤል ሒዛ ተበጊሳ ተበጊሳ።

ወዲ ሓደ ዓመት እንከሎ ንዝሓደጎ ኣቤል ወዱ፣ ድሕሪ’ዚ ኹሉ መከራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ማልታ ዝተቐበሎ ወላዲኡ ኣቶ ተዓገስ ገብረዝግኣብሄር መንግስቲ ማልታ ንዝገበረሉ ምትሕግጋዝ ኣመሲጊኑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሊብያ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት ናብ ምሉእ ፋሉሉነት ተጓሃሂሩ ስለዝርከብ፣ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክብገሱ ዝወጠኑ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት ኣቕዲሞም ክከታተልዎም ክፈልጥዎን ሓያሎ ወገናት ይላበዉ ኣለዉ።

ኣብ ሊብያ ከተማታት ትሪፑሊን ቤንቓዚን ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት የውርዱ ምህላዎም ተጠባቒ መሰል ስደተኛታት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ትማሊ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዘካየድዎ ሓጺር ቃለ ምልልስ ገሊጾም’ዮም።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0