ኣብ ከተማ ካርቱም ውግእ ይቕጽል፣ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ይውስኽ

Radio Erena: 23 April 2023

ኣብ መንጎ ሰራዊት ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳንን ሓይልታት ኣር.ኤስ.ኤፍን ንሰለስተ መዓልታት ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ተገይሩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ንዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ናይ መቆጻጸሪ መካኒዝም ዘይተዳለወሉ ብምዃኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ሓድሕድ ይካሰሱ ኣለዉ።
ትማሊ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ሰራዊት መንግስቲ ተወሰኽቲ ኣጋር ሰራዊት ናብታ ከተማ ኣዋፊሩ። እቲ ብደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ክካየድ ዝጸሐ ደብዳብ እውን፣ ምልሻታት ሕመቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ብምህላዎም፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት ምውራድ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።
ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ገለ ሃገራት ዓረብ ዜጋታተን ምውጻእ ክጅምራ እንከለዋ፣ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ከኣ፣ ዲፕሎማሰኛታተን ከውጽኣ ምድላዋት ጀሚረን ከምዘለዋ፣ ማዕከናት ዜና ሱዳን ጠቒሰን።
ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ህዝቢ ሱዳን፣ ትካላት መንግስትን ህዝብን ከይዓኑ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻ፣ ንዝበዝሐ ክፋሉ ገና ተቖጻጺሩዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ብውሑዱ ሓሙሽተ ሆስፒታላት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣር.ኤስ.ኤፍ ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣልቡርሃን፣ ‘ንህዝባዊ ሆስፒታላት ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ዝግልገል ዘሎ ሓይሊ ምዝርራብ ዝከኣል ኣይኮነን’ ክብል ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
ኣብዚ ናብ ካልኣይ ሰሙኑ ዝሰጋገር ዘሎ ውግእ፣ ህዝቢ ከተማ ካርቱም፣ ኣብ ገገዝኡ ተዓጽዩ ብምህላዉ፣ ናይ ኤለክትሪክ፣ ቀረብ ሃለኽቲ ነገራትን መግብን ስኢኑ ከይኣኽሎ፣ ብደብዳብ ከቢድ ብረት እውን ተናዊጹ ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0