‘ ኣብ ዶባት ሱዳን መጥቃዕቲ ኣይፈጸምናን’ ቀ/ሚ ኣብይ

Radio Erena: 23 April 2023

‘ኢትዮጵያ ንህሉው ኩነታት ሱዳን ተጠቒማ፣ ኣብ ዶባት መጥቃዕቲ ፈጺማ’ ንዝብል ብማዕከናት ዜና ሱዳን ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ሰራዊት ፈደራል ዝኾነ ስጉምቲ ኮነ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣይፈጸመን ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘ኣብ ዶባት ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጽልኢ ፈጢሮም ኲናት ክጽሕትሩ ይፍትኑ ኣለዉ’ ድሕሪ ምባል፣ ‘ኩሎም ወገናት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ይቆጠቡ’ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ማዕከን ዜና ኣል-ሱዳኒ ብዝዘገሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ንክልቲኤን ሃገራት ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ከባቢታት ኣል-ፋሽጋ ብምእታው፣ ነቲ ናይ መጋሃጫ መሬት ብሓይሊ ክቆጻጸሮ ፈቲኑ፣ ብሓይልታት ሱዳን ተጸፊዑ ከምዝተመልሰ እዩ ሓቢሩ።
ሱዳን ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተጸሚዳ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ወራር ኣካዪዳ ዝብል ክሲ ዝቐርብ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፣ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ክሲ ምቕራባ ይዝከር።
ኣቐድም ኣቢሎም፣ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣተፋኒኑወን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ተራኺቦም ብዘተ ክፈትሑዎ ተሰማሚዖም እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጽሑፉ፣ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ መብጽዓ ከምዘይጠለመትን፣ እቲ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምእትደልይን ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ኲናት ከጎሃህሩ ዝጽዕቱ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ክቑጠቡ ጸዊዑ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0