ኬንያ፣ ‘ብጥሜት እንተሞይትኩም ናብ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም’ ተባሂሎም ናይ ዝሞቱ፣ ሰባት ሬሳታት ተረኺቡ

Radio Erena: 23 April 2023

ኣብ ኬንያ፣ ‘ብጥሜት እንተሞይትኩም ናብ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም’ ተባሂሎም ናይ ዝሞቱ፣ ብውሑዱ ናይ 21 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ።
እቲ ብፓስተር ፖል መከንዚ ከምዝምራሕ ዝተገልጸ ጉጅለ ኣመንቲ፣ ኣብ ‘ሻካሆላ’ ዝተባህለ ጫካ ኮይኑ’ዩ ሃይማኖታዊ ስራሓቱ ዘካይድ ኔሩ።
ተጣበቕቲ መሰላትን ካብቲ ፍጻሜ ዝሃደሙን ሰባት ንፖሊስ ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ክሳብ ሕጂ ናይ 21 ሰባት ሬሳ ክርከብ እንከሎ፣ ብውሑዱ ናይ 35 ሰባት መቓብር ምዃኑ ዝተጠርጠረ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ኣትዩ ኣሎ።
መራሒ ናይቲ ‘ጉድ ኒውስ’ ዝተባህለ ሃይማኖት ፓስተር ፖል መከንዚ፣ ምስ ሞት ክልተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኔሩ’ዩ።
ተዳኺሞም ጥቓ ሞት ዝበጽሑ ካልኦት 15 ሰባት ተረኺቦም ናብ ሆስፒታል እንዳተወስዱ እንከለዉ፣ ኣርባዕተ ካብኦም ኣብ መንገዲ ሞይቶም፣ እቶም ዝተረፉ ግና ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ፣ ፖሊስ ኬንያ ሓቢሩ።
ኣብ ኬንያ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ክረኣይ ከምዝጸንሐ ዝገልጹ ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር፣ ናይ ዓበይትን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝኾነ፣ ብውሑዱ 15 መቓብር ኣብቲ ጣሻ ምልክት ገይሮምሎም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0