ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ

Radio Erena: 15 September 2019

ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግቡእ ቀረብ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪክን ከቕርብ ከምዘይጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ግና ብተዛማዲ ደሓን ዝኾነ ክራማት ብምምጽኡ፣ ህዝቢ ተስፋ ገይሩ ከምዝጸንሐ እዮም ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታት ዝሕብሩ።

በዚ ዝተራእየ ክራማት ህዝቢ ብዝከኣሎ ናይ ዝናብ ማይ ብምዕቃብ፣ ንመተሓጻጸቢን ካልእ ኣገልግሎታትን ክጥቀመሉ እኳ እንተጸነሐ፣ ዝስተ ማይ ንምርካብ ግና ኣዝዩ ተጻጊሙ ከምዘሎ ይሕበር።

በዚ ምኽንያት፣ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ዋኒኑ ኩሉ ገዲፉ፣ ጀሪካናት ብምሓዝ ማይ ንምምእራር ካብን ናብን ክተሓላለፍ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ይርከብ።

ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ብዙሕ ግዜ ዝስምዑ እኳ እንተኾኑ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ሓደ እዋን ‘ማይ ኣይኮነን ዝመጻካ፣ ንስኻ ኢኻ ናብ ዘለዎ ትኸይድ’ ብምባል፣ ኣብ ከተማታት ንዝነብር ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሰም ግዲ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እቲ ህዝቢ ዝስተ ማይ ክም ድልየቱ ክረክብ እንተኽ ኢሉ ድኣ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ከመይ ኢሉ ክውሓጠሉ፥ ህዝቢ ብማይ ተጨኒቑ ላዕልን ታሕትን ክብል ዝብላዕ ባኒ ወይ ሓርጭ ድልዩ ኣብ ፎቖዶ ፎርኖ ብክቦን ንምርካብ ተሰሪዑ ሪጋ ክሕዝ እንከሎ’ዩ እቲ ስርዓት ዕማሙ የሰላስል ከም ዘሎ ዝርድኦ ምኽንያቱ 28 ዓመታት ዝኾነ ቅያር ለውጢ ዘይብሉ እንተኾይኑ እቲ ስርዓት ካልእ ዕማም የብሉን ንሱዩ ዕማሙ።