ኣብ ልዕሊ ዕደናታት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ “ኢድ ኢራን” ኣለዎ ተባሂሉ

Radio Erena: 16 September 2019

ብቀዳም 14 መስከረም፣ ነዳዲ ኣብ ዝዕደነሉ ክልተ ከባቢታት ስዑዲ ዓረብ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሰብ ኣልቦ በረርቲ መጥቃዕታት፣ ኢድ ኢራን ከምዘለዎ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካ ወቒሳ።

ሑቲ ኣቐዲሙ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት እኳ እንተወሰደ፣ ኣመሪካ፣ ግና ኢድ ኢራን ኣለዎ ክትብል መግለጺ ኣውጺኣ።

ስዑዲ ዓረብ’ውን ነዚ ተኸቲላ፣ እቲ ንኣስታት ፍርቂ ካብ ፍርያት ነዳዲኣ ኣሰናኺሉ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ኢድ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣለዎ ክትብል’ያ ተሰሚዓ።

ሓድሽ ሚኒስተር ነዳዲ ኮይኑ ዝተሸመ፣ ዓብደልዓዚዝ ቢን ሳልማን፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ መጥቃዕቲ፣ መዓልታዊ 5.7 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ካብ ምፍራይ ኣሰናኺሉ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ፣ ንጉስ ሳልማን፣ ንወዱ ዓብደልዓዚዝ፣ ሚኒስተር ነዳዲ ኮይኑ ከገልገል ካብ ዝሸመሉ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ’ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ልዕሊ፣ መዓርፎ ነፈርቲን ዕደና ነዳዲ ዝካየደሉ ቦታታትን፣ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ንኡስ መጥቃዕታት ከካይድ ዝጸንሐ፣ ሑቲ ናይ የመን፣ እዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘካየዶ እቲ ዝዓበየ’ዩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ንምክያድ 10 ናይ ሰብ ኣልቦ መጥቃዕታት ከምዘካየደ ዝሓበረ ሑቲ፣ ኣንጻሩ ኵናት እንተቀጺሉ፣ ግብረ መልሱ ክሕይል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኢራን፣ ብወገና፣ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ዓረብ ሞጕሳ።

ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ኢደን ዘወጣወጣሉ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ብትሪ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኤርትራ ንእትርከበን 31 ሃገራት ብልፍንቲ ኣሰልፈን፣ ኣብ ልዕሊ ሑቱ ናይ የመን ኣብ 2015 ዝኸፈትኦ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፣ ክዕወታሉ ኣይክኣላን ጥራይ ዘይኮነ፣ መዋጽኦ ኣን ዝስኣናሉ ኩነታት ሸኺሉወን ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

ንወደባት ኤርትራ፣ ከም መናሃርያ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሑቱ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ዝነበረ ሰራዊታ ክትስሕብ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ኢማራትን፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሐኦ ዘይክኣላ ህላዌ ሑቲ ናይ የመን፣ ብፖልቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ፣ ብምንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽትን ተደጋጋሚ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0