ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ክኸፍትኦ ተሳማሚዐን

Radio Erena: 15 September 2019

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ክኸፍትኦ ተሳማሚዐን።

ክልቲኤን ሱዳን ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ዝበጽሓ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶቕን ኣብ ከተማ ጁባ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ብዕለት 12 መስከረም ዝተኻየደ ርክብ፣ ብምኽንያት ጸጥታን ብዋንነት ዘከራኽሩ ክፋል ዶባትን ተዓጽዮም ዝጸንሑ ቦታታት፣ ክኽፈቱ፣ ናጻ ምንቅስቓስ ህዝብን ንብረትን ከኣ ተግባራዊ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ዘተ፣ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢታት ኣብየይ እውን ከምዝተላዕለ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብዓብደላ ሓምዶቕ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ብምዝርራብ፣ ዘተ ሰላም ብእዋኑ ክጅምር ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ካብ ጁባ ዝተመሓላለፈ ዜና ብተወሳኺ የመልክት።

ዝምድና ክልቲኤን ሱዳን፣ ሓድሽ ስርዓት ኻርቱም ድሕሪ ምምስራቱ ከምሓድሽ ይጅምር ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0