ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን ሸውዓተ ዓድታት፣ ጀራዲኖም ንመንግስቲ ከረክቡ ይእዘዙ

ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን ሸውዓተ ዓድታት፣ ጀራዲኖም ንመንግስቲ ከረክቡ ይእዘዙ

Radio Erena: 04 January 2018

adi haloኣብ ከባቢ ዓዲ ሓሎ ዝርከቡ ወነንቲ ጀራዲን ሸውዓተ ዓድታት፣ ጀራዲኖም ንመንግስቲ ከረክቡ ከምዝተኣዘዙ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ወነንቲ፣ ንሓያሎ ዓመታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ጀራዲን ንመንግስቲ ከረክቡ ተኣዚዞም ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ወርሓዊ ደሞዝ እናተኸፍሎም ኣብቲ ብመንግስቲ ተመንዚዑ ዝመሓደር ዘሎ ጀራዲን ክሰርሑ ይግደዱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ኣብ ሓዲ ሓሎ፣ ኣሽሓት ሄክታራት ናይ ሕርሻ መሬትን ጀራዲንን ንምልማዕ፣ መደብ ሓንጺጹ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይቲ ኣብቲ መደብ ዝወፍር ዘሎ ጉልበት ሃገራዊ ገልግሎት እኳ እንተኾነ፣ ናይ ምዕያይ ዓቕሚ ዘለዎምን ወነንቲ ጀራዲን ዝነበሩን ነበርቲ እተን ሸውዓተ ዓድታት’ውን ብደሞዝ ይሰርሑ ኣለው።

ወነንቲ ጀራዲን እተን ሸውዓተ ዓድታት፣ መንግስቲ ጀራዲኖም ብምምንዛዕ ኣብቲ ጀራዲን ብደሞዝተኛታት ክሰርሑ ብምግዳዶም ተቓውሞታት ከርእዩ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፣ ብሰራዊት ዝተማእከለ ምምሕዳር እቲ ከባቢ፣ “እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ተቓውሞ ኣንጻር ሃገራዊ ልምዓት’ዩ” ዝብል ምፍርራሕን ጸቕጥን ከምዝተገብረሎም እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኣብ ሓዲ ሓሎ ድሕሪ ዝተሃንጸ ዲጋ፣ኣብ ከባቢኡ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መደባት ንምትግባር ይስርሓሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብቲ መደብ ንኽሳተፉ ናብቲ ቦታ ዝወፈሩ ልዕሊ 5 ሽሕ ኣባላት 29 ዙርያ ተቓውሞ ከምዘርኣዩ ኣይርሳዕን።

እቶም ኣባላት 29 ዙርያ ኣብ ዓዲ ሓሎ ድሕሪ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ናብ ከባቢ ናሮ ተወሲዶም ክእሰሩ እንከለዉ፣ ካብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ዝተዋጽአ ካልእ ሰራዊት መተካእትኦም ኣብ ዓዲ ሓሎ ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0