ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዎም ተሓቢሩ

ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 January 2018

kamኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ክሳብ መወዳእታ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዎም በዓል መዚ ወፍሪ ኡጋንዳ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስታዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ወፍሪ ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ኣብ 2013 ዓመት ምሕረት 1.7 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከምዝነበረ ብምዝኽካር፣ ኣብ ዝቐጸለ ሓደ ዓመት እቲ ወፍሪ ብዕጽፊ ብምዝያድ 4.2 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።

ኣብ 2014፣ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ን17 ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ናይ ንግዲ ፍቓድ ከምዝሃበ ዝሓበረ በዓል መዚ ወፍሪ ኡጋንዳ፣ እዚ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት እቲ ዝበዝሐ ምንባሩ ኣገንዚቡ።

 

ኣብ 2016’ውን ን11 ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ናይ ንግዲ ፍቓድ ምሃቡ እቲ መንግስታዊ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ኡጋንዳ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ቻይና ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራውያን ንዜጋታት ህንዲ፣ ኬንያ፣ ብሪጣንን ኣመሪካን ስዒቦም ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ይርከቡ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ንወፍሪን ንግድን ዘየተባብዕ ባይታ፣ ኤርትራውያን ነጋዶን ኣውፈርትን ርእሰማሎም ኣብ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራትን የፍስሱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0