ኡጋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ገሊጻ

ኡጋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ገሊጻ

Radio Erena: 05 January 2018

ugandaa

ኡጋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ገሊጻ።

ሚኒስተር ዴታ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኡጋንዳ ሄንሪ ኦርየም ኦኬሎ ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኡጋንዳ ካብ እስራኤል ዝተሰጉ ሓተቲ ዑቕባ ክትቅበል’ያ ዝብል ዜና ከምዘገረሞ ብምግላጽ፣ ብወገን ኡጋንዳ ዝኾነ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ዴታ ኡጋንዳ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ 90 መዓልታት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ንምትግባር ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እስራኤል ነቶም ኤርትራውያን ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ክትሰጎም ምዃና ትገልጽ እኳ እንተላ፣ ኡጋንዳ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ናይ እወታ ይኹን ናይ ኣሉታ ምላሽ ከይሃበትሉ’ያ ጸኒሓ።

ርዋንዳ ግና ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ካብ እስራኤል ክወጹ ወለንተኛታት ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ ከምዝቕበልን እቲ ናይ ስምምዕ መስርሕ ገና ከምዘይተዛዘመን’ዩ ዘመልክት።

እስራኤል ኣውጺኣቶ ብዘላ ውሳኔ መሰረት፣ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ግና ዝኾነ ምላሽ ዘይተዋህቦም፣ ኣለይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ስድራቤታት፣ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ካብዚ ብግዴታ ናይ ምስጓግ ወይ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ንግዜኡ ኣይምልከቶምን’ዩ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዉ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን እቶም 6 ሽሕ ጥራይ’ዮም ሕጋዊ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ቅጥዒ መሊኦም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0