ኣብ እዋን ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት፣ ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽመልና’ያ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ይጉስጉስ

ኣብ እዋን ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት፣ ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽመልና’ያ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ይጉስጉስ

Radio Erena: 21 March 2016

PF

መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ንጽምንባል ልዑል ምስብሻብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ኢትዮጵያ ወራር ክፈነወልና ተኽእሎ ኣሎ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ጓስጓስ የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ መንግስቲ ስግኣት ‘ወራር ወያነ’ ንልዕሊ 10 ዓመታት ክጥቐመሉ ዝጸንሐ ጎስጓስ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ብዘሎ ተቓውሞታት ህዝቢ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ተቓውሞታት ንዘጎሃህሩ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ብተደጋጋሚ እዋን ይገልጽ ምስ ምህላዉ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ናይ ጎስጓስ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

 

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞታት ምትእትታው ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ኣለዎም ክብል’ዩ ዝገልጾ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊ ጸገማታ ንምህዳም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ክትፍጽም ከምእትኽእል ብመንገዲ ኣዘዝቲ ፖሊስ፣ ካድራትን ኣመሓደርትን ንህዝቢ ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ብጉዳይ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎታት፣ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካልእ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓሓሓዙ ጉዳያትን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ገጢምዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ፣ ‘ስጉምቲ ክንወስድ ኢና፣’ ዝብል መግለጺታት ነቲ መንግስቲ ጽቡቕ መመኻነዪ ነጥብታት ኮይኑ ምህላዉ’ውን ይሕበር።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ናብ ኤርትር ከይተረክብ ምሕንጋዳ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምስ ሃገራዊ ኣገልግልት ዝተተሓሓዘ ገበናት ከም መመኻነዩ ከምዘቕርቦ ይፍለጥ።

ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ንምጽንባል ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋናት ከኣ፣ እቲ መንግስቲ ምጥያስ ሰራዊት፣ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃማኖትን እሱራት፣ ካልእን ዝኣመሰለ ምምሕያስ ሰብኣዊ መሰላት ንምትግባር ኣብ ክንዲ ዝቐራረብ፣ ‘ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽመልና’ያ፣ ህዝቢ ተጠንቐቕ፣’ ኣብ ዝብል ጎስጓስ ተጸሚዱ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን ንዕረፍቲ ይኹን ካልእ ምኽንያታት ኣባላት ሰራዊት ከይፋነዉን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ገገዝኦም ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ከኣ ናብ ኣሃዱታቶም ክምለሱን ጻውዒት ይገብር።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0